45 ደቒቕ

ኣገባብ ኣሰራርሓ

ሽጕርቲ ቐሪፍካ ኣድቅቕ ኣቢልካ ምተሮ። 

ነቲ ሽጕርቲ ኣብ ጻሕሊ ጌርካ ቕይሕ ክሳዕ ዝብል ቅለዎ. ማእከላይ ብዝዀነ ሓዊ ጌርካ ቕለዎ። 

ዘይቲ ኣእቲኻ ንተወሳኺ 10-15 ደቒቕ ቕለዎ።

ነቲ እተመትረ ኮሚደረ ኣእቲኻ ን15 ደቒቕ ዝኸውን ኣብስሎ።

እቲ ሽጕርትን ኮሚደረን ብሓንሳብ ምስ በሰለ፡ 0.75 ሊትሮ ማይ ኣእቲኻ ኣዅሶ።

ሓርጭ ሽሮ በብቝሩብ እናእተኻ ከየዕረፍካ ኣዅሶ። ዕንኳር እንተልዩ እናኣኾስካ ሓዋውሶ። ኣብ መወዳእታ፡ ጨውን እተመትረ ጻዕዳ ሽጕርትን ኣእትወሉ። ንኣስታት 20 ደቒቕ ድማ እናኣዀስካ ኣብስሎ።

ዘድሊ ነገራት

ን4 ዝኸውን

1 ሽጕርቲ

3 ናይ ሾርባ ማንካ ዘይቲ ኣውልዕ

1/2 ባኮ እተጣሕነ ኮሚደረ

4-5 ናይ ሾርባ ማንካ ሽሮ 

1 ዕኳሮ ሽጕርቲ ጻዕዳ 

ንመጥዓሚ ዝኸውን ጨው 

መኣዛዊ ትሕዝቶ እቲ ምግቢ ኣብ 100 ግራም

ጕልበት/ብካሎሪ

86 ኪሎ ካሎሪ/118 ኪሎ ካሎሪ

ካርቦሃይድሬት

3.5 ግራም/4.5 ግራም

ፕሮቲን

1 ግራም/1 ግራም

ስብሒ

7.5 ግራም/10 ግራም

- ሳቹሬትድ ስብሒ

1 ግራም/1.5 ግራም

- ሞኖሳቹሬትድ ስብሒ

5.5 ግራም/7.5 ግራም

- ፖሊሳቹሬትድ ስብሒ

0.5 ግራም/1 ግራም

ናይቲ ምግቢ ፋይበር

1 ግራም/1 ግራም

ትሕዝቶ ኣለርጂ

ግሉተን

የብሉን

ላክቶስ

የብሉን

ንመወዳእታ ግዜ እተኣረመ፦ 05/06/23፣ እተሓትመ፦ 24/05/23