Spør oss

Sentralbord

Medlemsservice eller generelle henvendelser.

Hverdager 9 - 15
Hverdager 9 - 15

Diabeteslinjen

Har du spørsmål om diabetes? Få svar fra erfarne veiledere og helsepersonell, helt gratis.

Man-tor kl 10 - 14
Man-tor kl 10 - 14
Svartid 1 - 5 dager

ምግቢ፡ ብልዒ ጥራይ ኣይኰነን ኤርትራ

ነበርቲ ሎረንስኩግ ዝዀኑ ፋኑኤልን ሰላምን ጸብሒ ደርሆ ምስ እንቋቝሖን ሽሮን እንጀራን ኣዳልዮም።

ናይ ጥዕና ምኽሪ

እታ ክኢላ ስነ መግቢ ዝዀነት ኢንሳፍ ዘሩጓ ንሰላምን ፋኑኤልን ዝሃበቶም ምኽሪ፦

  • ሰላም ጽቡቕ ዝዀነ ቀመማት ተጠቒማ ነቲ ምግቢ ትሰርሖ።
  • ከም ሽጕርትን ኮሚደረን ዝኣመሰለ ኣሕምልቲ፡ ብዙሕ ፕሮቲን ዝርከቦ እንቋቝሖ፡ ከምኡውን ቀይሕ ስጋ ዘይኰነስ ስጋ ደርሆ ምጥቃማ ጽቡቕ እዩ።
  • ኣብቲ ምግቢ ብዙሕ ጠስሚ ወይ ካልእ ስብሒ ኣይትውሰኽ ንምኽሻን ድማ ከም ዘይቲ ኣውልዕ ወይ ዘይቲ ራፕ ዝኣመሰለ ዘይቲ ኣሕምልቲ ተጠቐም።
  • ምሉእ እኽሊ ዝዀነ ሓርጭ ጣፍ ተጠቒምካ እንጀራ ምስንካት ዝያዳ ኸብድኻ ከም ዝመልእ ዝገብርን ንጥዕና ጠቓምን እዩ።